Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ድልድል ሩባ ኣባይ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት መንፈቕን ህንፀቱ ዝተጀመረ ድልድል ሩባ ኣባይ መሪቖም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላልትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራልን ተረኺቦም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ዘበናዊ ድልድል÷ 380 ሜትሮ ንውሓትን 43 ሜትሮ ስፍሓትን ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ብክልቲኡ ክፋል መገዲ በዓል ሰለስተ መስመር ናይ ተሽከርከርቲ መገዲ ኢሉ እውን ኣብ ጎኑ ናይ ብስክሌት መስመር ዝተሰናደአሉ ዓብዪ ድልድል ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

ዓብዪ መፍለዪ ከተማ ባህርዳር ንኽኸውን ዝተሃነፀ ድልድል ሩባ ኣባይ÷ ዕቤት ኢኮኖሚ እቲ ከባቢ ኢሉ እውን ዓውዲ መራኸቢ ዘነቓቕሕ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.