Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ መረፅቲ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዝገባ መረፅቲ ክሳብ 12 ግንቦት 2016 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ 6ይ ዙር ሓፈሻዊ መረፃ ዝተረፉ መረፃ ዝካየደሎም ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ዓፋርን ከምኡ እውን ዳግም መረፃ ኣብ ዝግበረሎም ክልላት መረፃ ጅግጅጋ 2፣ መስቃን ማረቆን 9 ሰኔ 2016 ዓ.ም መረፃ ንምክያድ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እቲ ቦርድ ገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ካብ 21 ሚያዝያ ክሳብ 5 ግንቦት 2016 ዓ.ም ግዘ ሰሌዳ ወፂኡ ምዝገባ መረፅቲ እናተኻየደ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ግዘ ሰሌዳ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ዝወፅአሉ እዋን ተደራራቢ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ስለዝነበሩን ነዚ ስዒቡ ድማ ምዝገባ መረፅቲ ዝግበረሎም ሓደ ሓደ ጣቢያታት መረፃ ብእዋኑ ስለዘይከፈቱን ኢሉ እውን ኣብቲ መረፃ ዝወዳደሩ ፓርቲታት ፓለቲካ ብተመሳሳሊ ኩነታ መዓልቲ ምዝገባ መረፅቲ ንኽናዋሕ ብምሕታቶም፤ ሞርድ መረፃ መዓልቲ ምዝገባ መረፅቲ ክሳብ 12 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣናዊሑዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.