Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ምዉፃእ ዕፃ ዕደላ መሬት 354 መምህራን ከተማ መቐለ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ምዉፃእ ዕፃ ዕደላ መሬት ንመምህራን ከተማ መቐለ ሎሚ 3 ጉንበት 2016 ዓ/ም ተሳሊጡ።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ 18 ማሕበራት ተወዲቦም ንዝፀንሑ መምህራን ንመንበሪ ዝዉዕል መሬት ዓዲሉ።

ኣብቲ ስነስርዓት፥ ምክትል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ከተማ መቐለን ተረኺቦም።

ኣብዚ ሎሚ ዝተሳለጠ ዕደላ መሬት ን354 መምህራን ንሕድሕዶም 140 ካሬ ሜትር ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.