Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዙሪያ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ስቕለተ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብሃይማኖታዊ ኣስተምህሮታትን ፍፃታትትን ይኽበር፡፡

እቲ ዕለት ካብ ሞንጎ ዝኽበረለን ብዙሓት ሃገራት ድማ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሩሲያ፣ ግብፂ፣ ግሪኽ፣ እስራኤል፣ ቡልጋሪያን ካልኦትን ይርከበኦም፡፡

እቲ በዓል ኣብ ኢዮጵያ ዝኽበር÷ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያንን ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኢዩ፡፡

ኩነታት ኣከባብራ እቲ በዓል ከከም ሃገራትን ሃይማኖትን ይፈላለለ እምበር÷ ኣብ መብዛሕትኦም ምእመናን እቲ ዕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕንነት ደቂ ሰባት ክብል ዝተቐበሎ ስቓይን ሕማምን እናሓሰቡ ብፆም፣ ፀሎት፣ ስግደትን ዝማሬ ምሕላፍ ዝተለመደ ኢዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ግብፂ መስቀል ክርስቶስ ተሸኪምሞም ብምጉዓዝ ስቓይን መከራን ከምዝተቐበሉ ብምሕሳብ ብፀሎት እንትሓስቡ÷ ኣብ ግሪኽ ድማ ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስን ዝረኸቦ መከራን ብዘርኢ መልክዑ የኽብሩዎ፡፡

ኣብ እስራኤል እውን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስቕለላት ናብ ጎለጎታ ተወሲዱሉ ተባሂሉ ኣብ ዝእመን ቦታ ክርስቲያናት ተኣኻቦም ሕድሕዶም መስቀል ተሸኪሞም ብምጉዓዝ የኽብሩ፡፡

መብዛሕትኦም ኣቢያተ ክርስቲያን ካቶሊክ÷ በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲሰብ ዘርአዮ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ብምሕሳብ ብተዋስኦ መልክዑ ብምፅዋትን ኣብ ጎደናታት ብምጉዓዝን የኽብሩ፡፡

ኣብ ቡልጋሪያ ድማ በዓል ስቕለት ክርስቲያናት ብምፅላይ እንተኽብሩ÷ ኣብታ ሃገር መንግስታዊን ትካላት ንግዲን ዕፁዋት ይኾና፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.