Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ብብርኪ ሃገር ለኸ ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (መታወቂያ) ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብብርኪ ሃገር ለኸ ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (መታወቂያ) ኣጀሚሩ፡፡

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ መጀመሪ፤ ብማእኸላይ ኣብ 1 ሚሊየን ዜጋታት ብምምዝጋብ ክሳብ 2018 ዓ.ም ን32 ሚሊየን ዜጋታት ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዝተሃቀነ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ÷ “ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ሓገዝቲ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ተኣማንነት ዘለዎ መለለዪ መንነት ዲጂታል መታወቂያ ኢዩ” ኢለን።

ዲጂታል መታወቂያ መካተቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዜጋታት ኣብ ኢኮኖሚ ማዕረ ተረባሕቲ ክኾኑን ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፀን፡፡

ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መታወቂያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ 29 ከተማታት ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ዜጋታት ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ብምዃን ብቴሌብር ሱፐርኣፕ ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.