Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ካፋ ወረዳ ጨና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ሰዓት 3፡30 ካብ ዋቻ ናብ ቦንጋ እናተጓዓዘት ዝነበረት ዶልፊን ተሸከርካሪትን ካብ ሚዛን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ሲኖ ትራክ ተሸከርካሪትን ብምግጫወን ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓሙሽተ ተሳፈርቲ ህይወቶም እንትሓልፍ÷ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል የመላኽት፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዝበፅሐሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣሽከርከርቲ ጥንቃቐ ንኅገብሩ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.