Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ፈላማይ ኣኼቡኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ፈላማይ ኣኼቡኡ ኣካይዱ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ እቲ ቤት ምኽሪ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕን ስራሕቱ በቢግዚኡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሪፖርት ይገብር።

እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ኣድለይቲ ስራሕቲ ብምፍላይ ምኽረ ሓሳብ ፖሊሲን ስትራቴጂን ብምቕራብን ዝወፅኡ ፖሊሲታት ውፅኢታውነቶም ዝግምግም ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ዝወፅኡ ፖሊሲታት ብውፅኢታውነት ንኽትግበሩ ናይ ምክትታል ተግባራት ከምዝውግን  ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓሬታን ድሕንነትን ትእግስት ሃሚድ ብግደአን÷ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምጉልባት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝሃቀነቶም ትልሚታት ንኽተዕውት ዘኽእል ኢዩ ኢለን።

ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንኽኸውን ዝተጀመሩ ተግባራት ብዝበለፀ ኣብ ምጥንኻር ከምዝስራሕ ዝተዛረባ ድማ ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኢየን፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼቡኡ ቅድም ኢሉ ተጣይሹ ብዝነበረ ግብረ ሓይሊ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከይዲ ከምዝተመልከተ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ብዝስርሑ ስራሕቲ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ኣመልኪተን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.