Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ከተማ መቐለ ገምጋም ስራሕ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ከተማ መቐለ ገምጋም ስራሕ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ሓዊሱ፥ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ገዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንገስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነቲ መድረኽ ኣብ ምድላው ዘርኣዮ ስራሕ ንኢደን።

ትካላት ጥዕና እቲ ክልል ኣገልግሎት ንክህባ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ብቐፃሊ ክንድግፍ ኢና ድማ ኢለን።

ብዶክተር መቅደር ዳባ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር፣ ፋብሪካ ግላቭ ኣፎሚ ሜዲካልን ቤን መስከረም ሓፈሻዊ ሆስፒታልን ዑደት ከምዘሳለጠ ይፍለጥ።

 

ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ብግደኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ክኸውን እቲ ሚኒስትር ምውሳኑ ናእደኦም ገሊፆም።

እቲ መድረኽ  ተነፃፃሪ ሰላም ኣብ ምቕፃል፣ ዳግመ ህንፀት ዝዓነወ ዓውዲ ጥዕና ክልል ትግራይ ብፌደራልን ዓለምለኸ ትካላትን ዝሓሸ ቆላሕታ ክረክብ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር  እናሰራሕና መፂና ኢና ዝበሉ ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ሚኒስትር ዝኸኣሎ ደገፍ እናገበረ ከምዝመፀ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.