Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓን ኣባልን ፅንፈኛ ሓይሊ ስጉምቲ ተወሲዱ-ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓን ኣባልን ፅንፈኛ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ፥ ኣመራርሓን ሓደ ኣባል ጉጅለን እቲ ፅንፈኛ ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ሓደ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ከም ኣገላልፃ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፥ ናሁሰናይ ኣንድአርጌ ታረቀኝ፣ ኣቤኔዜር ጋሻው አባተን ሃብታሙ ኣንድአርጌ ተሰማን ዝተብሃሉ ኣባላት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ገብረ ራዕዲ ንምፍፃም ልኡኽ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ኣካላት ፀፅታ ብዝገበርዎ ክትትል ተፈሊጡ።

ስለዝኾነ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከይፈፀሙ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ኣባላት ፖሊስ ምንቅስቓስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን፥ 4 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 3 ኣብ ከባቢ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኢዶም ንክህቡ እንተተሓተቱ እውን ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ታርጋ ቁፅሪ ኮድ 2C 14373 አ/ኣ ኣይሱዙ ዲዛዬር መኪና ብምጥቃም ምስ ኣባላት ፖሊስ ተዂሲ ብምኽፋቶም ናሁሰናይ ኣንዳርጌ ታረቀኝ ቆሲሉ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሃፍታሙ ኣንዳርጌ ተሰማ ኣብቲ ዝተገበረ ልውውጥ ተዂሲ ከምዝሞተ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከምኡውን ኣቤኔዘር ጋሻው ኣባተ ዝተብሃለ ኣባል እቲ ጉጅለ እንተይቆሰለ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ሓቢሩ።

ነቶም ፅንፈኛታት ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ብመሰረት ዝተገበረ ምንቅስቓስ ሳጅን ኣራርሳ ተሾመን ኮንስታብል ማቲያስ ጴጥሮስን ከምዝኾሰሉ ተገሊፁ። ኣይተ እንዳሻው ጌትነት ዝተብሃሉ ውልቀ ሰብ ድማ እቶም ፅንፈኛታት ብመኪነኦም ንክፅዕንዎም እንተገደድዎም እውን “ኣይተሓባበርን” ብምባሎም ብኣባላት እቲ ፅንፈኛ ከምዝተቐተሉ ኣብሪሁ።

ኣይተ እንደሻው እንተሽከርክርዋ ዝነበረት ታርጋ ቁፅሪ ኮድ 2 አ/አ 80457 ብጥይት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ፖሊስ ኣዱስ ኣበባ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.