Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ኣመራርሓ ቦርድ ፎረም ምትሕብባር ሴኩሪቲ ግሎባል ፐብሊክ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ኣመራርሓ ቦርድ ፎረም ምትሕብባር ሴኩሪቲ ግሎባል ፐብሊክ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ፎረም፥ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በዝምልከት ዘተ ከምዝገብር፥ ኢንዴክስ ግሎባል ሴኩሪቲ ብዛዕባ ዝገብሮ ከይዲ መፅናዕቲ እቲ ፎረም ኣብ ምድላው ኮንፈረንስ 2024 ብምዝታይ ውሳነ ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብብርኪ ዓለም ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ቆላሕታ ብምግባር ትካላት ምኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ፍሉያት ተግባራት ይፍፅም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 9 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ዳይሬክተራት ቦርድ ኣብ ዝምራሕ ፎረም ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ሓደ ኣባል ቦርድ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.