Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ መንግስቲ ዘውፅኦም ሕጊታት፣ ፖሊሲታትን ሰትራቴጂታትን ብምስፃምን ክፍፀሙ ብምግባርን ከምኡውን ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ብምቅልጣፍ ትካላት ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ዘለወን ግደ ልዑል ከምዝኾነ ዘቲዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፖሊሲ ክፈትሖምን ኣብ ቀፃሊ ክስረሐሎምን ዝግብኡ ዛዕባታት ኣብ 7 ቀንዲ ቀንዲ ዓምዲታት መሰረት ብምግባር ዝቐረበ ረቂቕ ፖሊሲ ብምዝታይን እታዎታት ብምውሳኽን እቲ ፖሊሲ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ብተወሳኺ ልምዓት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽቱን ማእኸለዎት ኢንተርፕራይዛትን በዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ፖሊሲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ እቲ ፖሊሲ ነቲ ዓውዲ ዝወሃቡ ድጋፋት ድልየትን ዓቕሚን ዘገናዘቡ ዝገብርን፣ ዘይስሩዕ ስራሕቲ ንግዲ ብምድጋፍ ልምዓት እቲ ዓውዲ ሓቛፊ ንክኾን ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምርግጋፅ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድሚፂ ወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ኣወዳድባ፣ ሰልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ንምውሳን ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ጠሚቱ በዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ወሲኹ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ውሳነ ሂቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ረቂቕ ኣዋጅ ደረጃታት ኢትዮጵያ፣  ምስ ዓለም ለኸ ሕጋዊ መለክዒታት ሕግታት ዝተጠዓዓመ ሕጊ ብምውፃእ ዓለም ለኸ ዘምድናታት ንግዲ ንምጉልባት ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኣብቶም ዝቐረቡ ረቀቕቲ ኣዋጃት እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብምቕራብ ንክፀድቁ ብሙሉእ ድምፂ መሪሑ።

ኢንስቲትዩት መዐቀኒ(ስነ ልክ) ኢትዮጵያ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ፣ ብሄራዊ ቤት ፅሕፈት ኣክሬዲቴሽን ኢትዮጵያን  ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢን ትካል ምዘና ተስማዕማዕነት ኢትዮጵያ ዳግም ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንብን ብዝምልከት ብዕምቆት ብምዝታይ ኣብቶም ደንብታት እታዎታት ወሲኹ ኣብ ነጋሪት ጋዘረጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅእሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ብሙሉእ ድምፂ ውሳነ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣወዳድባ፣ ስልጣንን ተግባርን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ዘቲዩ።

እቲ ረቂቕ ደንቢ ንስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ግቡእ ሓለዋ ምግባር ዘኽእለ፣ ኢትዮጵያ ዘፅደቐቶ ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ስምምዕነታት ብኣግባቡ ብምትግባር እቶም ስደተኛታት ከለላን ድጋፍን ንክረኽቡ እቲ ትካል ግድኡ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ዘኽአል ከምዝኾነ ዘቲዩ።

ስለዝኾነ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.