Fana: At a Speed of Life!

ንኣምባሳደራት ሃገራት ፓስፊክ እሲያን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ምስ ሚኒስቴር ማይ ፣ መስኖን ኢነርጅን ብምትሕብባር መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት ፓስፊክ እሲያን ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ገለፃ ገይሮም።

እቲ ገለፃ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ኢንጂነር ጌዲዮን ኣስፋውን ኣቢሉ ኢዩ ተዋሂቡ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መብርሂ፥ ከይዲ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብቲ ግድብ ኣድሂቦም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን እናተኻየዱ ዝነበሩ ዘተታትን ዝርከቡሉ ብርኪን ብዝምልከት እቶም ኣምባሳደራት እዋናዊ ሓበሬታ ንኽህልዎም ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሙሉእ ሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝህነፅ ዘሎ ፕሮጀክት ምዃኑን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ፣ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ፣ ምብራቕኣፍካ፣ ኢሉ እውን ንኣህጉር ኣፍሪካ ዝህልዎ ረብሓን ብዝምልከት ገለፃ ተገይሩ ኢዩ።

ብተወሳኺ እቲ ግድብ፥ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ብፍትሓዊነትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ርኡይ ጉድኣት ብዘየብፅሕ መልክዑ እተሃንፆ ዘላ ፕሮጀክት ምዃኑ እውን ኣብቲ ገለፃ ተላዒሉ።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን ብዙሓት ዘተታት ምግባረንን ዝነበሩ ኣፈላላያት ብልዝብ እናፈትሓ ኣብዚ ደረጃ ምብፀሕን፤ ኣብ ቀፃሊ ዝህልዉ ኣፈላላያት እውን ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ዝግበሩ ተመሳሰልቲ ዘተታት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ምዃናን ተገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደራት ድሕሪ እቲ ገለፃ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዝለዓሉ ዘይምስማዓት ዓለም ለኸ መርሆ ብዝተኸተለ ምልክዑ ብዘተን ድርድርን ከምዝፈትሓ ዘለዎም እምነት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.