Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተገበሩ ውድድራት ማራቶን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ከተማታት በርሊን፣ ማድሪድን ዴጉን ኣብ ዝተገበሩ ውድድራት ማራቶን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ሙላቷ ተክሌ ነቲ ርሕቐት ብ1 ሰዓት 6 ደቒቓን  53 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ወፂኣ።

ኣትሌት ፍታው ዘርዓይ ድማ ነቲ ርሕቐት ብ1 ሰዓት 7 ደቒቓን  22 ሰከንድን ብምእታው ካልአይቲ ከምዝወፅአት ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ከተማ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ኣበራሽ ከበደ 1 ሰዓት 8 ደቒቓን 31 ሰከንድን ብምእታው ምዕዋታ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዴጉ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ እውን፥ ኣትሌት ጀማል ይመር ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 6 ደቒቓን 8 ሰከንድን ብምእታው ተዓዊቱ።

ኣብቲ ቦታን ርሕቐትን ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር እውን ኣትሌት የብርጓል መለሰ 2 ሰዓት 19 ደቒቓን 36 ሰከንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.