Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስርዓት ተሓታትነት ኣፈፃፅማ ክትግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ቀፃሊ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፅሬት ንምምፃእ ዝሕግዝ ስርዓት ተሓታትነት ኣፈፃፅማ ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን ሰለሞን ኣብርሃ (ዶ/ር)÷ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ብዝሃቦ ምኽረ ሓሳብ፤ ኣብ ግቡእነትን ፅሬትን ትምህርቲ ዘለዉ ፀገማተ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምምሕያሽ እናተወገኑ ምፅነሖም ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ትካላት ብኣጠቓቕማ ፋይናንስ እምበር ብኣፈፃፅማኦም ተሓተትቲ ዝኾኑሉ ስርዓት ከምዘይነበረ ብምሕባር፤ ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ትካላተ ብኣፈፀሸፅማኦም ተሓተትቲ ዝኾኑሉ ኣሰራርሓ ምትግባር ከምዝጅመር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.