Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጅማን ኣጋሮን ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ለውጢ ዝመፅአሉ መበል ሻድሻይ ዓመት ዝጠመተ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጅማን ኣጋሮን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ፥ “ንሰላምና ዘብዒ ክንከውን ኢና ለውጢ ክነቐፅል ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ነበርቲ እተን ከተማታትን ከባቢኡን ኣብቲ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ነቲ ለውጢ ዘለዎም ድጋፍ ይገልፁ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ብብዙሓት ፈተናታት ተኸቢባ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ህንፀት ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብዘይምቁራፅ ምክያዳን እዚ ድማ መንግስቲ ንልምዓት ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርእይ ከምዝኾነን እቶም ተሳተፍቲ ገሊፆም።

ብሙክታር ጣሃ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.