Fana: At a Speed of Life!

ንልምዓት ሕርሻ ኣኸዛ ዘድሊ ዘበናዊ ዱኽዒ ሙሉእ ብሙሉእ ምቕራቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንልምዓት ሕርሻ ኣኸዛ ዘድሊ 469 ሺሕን 80 ነጥቢ 84 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ሙሉእ ብሙሉእ ምቕራቡ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዝኸውን 19 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝዕደግን ካብ መንጎ እዚ ድማ እቲ 8 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኩንታል ዩሪያ 11 ነጥቢ 19 ሚሊየን ድማ ኤን ፒ ኤስ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ዘሎ ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ፅቡቕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብብርኪ ቀረብ 1 ሚሊየንን 678 ሺሕን 730 ቶን ዕድጊት ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኸረመ 56 ሺሕን 193 ነጥቢ 96 ሜትሪክ ቶን ሓዊሱ ነቲ ዘበነ ምህርቲ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ኣብ እዋን ክራማት ተፈሊዩ ከምዝተተለመ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ንልምዓት መስኖ ሓጋይ 390 ሺሕን 160 ሜትሪክ ቶን ከምዝቐረበን፥ 66 ሺሕን 497 ነጥቢ 65 ሜትሪክ ቶን ድማ ንተረባሕቲ ከምዝተኸፋፈለን ተገሊፁ።

ከምኡውን ንልምዓት ሕርሻ ኣኸዛ ዘድሊ 469 ሺሕን 80 ነጥቢ 84 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ሙሉእ ብሙሉእ ምቕራቡ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.