Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ስማርት መምሀሪ ክፍሊታት ንምቕራብ ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ክልል ኦሮሚያ ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮምን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያን ስማርት መምሀሪ ክፍሊታት ንምቕራብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ስማርት መምሃሪ ክፍሊታት ኣብ ዝተመረፃ 8 ወረዳታት እቲ ክልል ኣዳሪ ኣቢያ ትምህርቲን 33 ፍሉያት ኣቢያተ ትምህርቲን ብሓፈሻ 82 ስማርት መምሃሪ ክፍሊታት ኣማሊኡ ንምቕራብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ግዚኡ ዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ብምጥቃምን ኣወሃህባ ስርዓተ ትምህርቲ ብምዝዛን ተምሃሮ ፅሬት ዘለዎን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ትምህርቲ ንኽረኽቡ፣ ፍትሓዊ ዝኾነ ተበፃነት ትምህርቲ ንኽህሉ ረብሓ ከምዘለዎ ተኣሚኑሉ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ትራንስፎርሜሽን ዲጂታል ትምህርቲ ንኽትግብሩን ሕፅረት እታወታት ትምህርቲ ንምፍታሕ ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ተዛሪበን።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ዝተፈራረሙ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ቶላ በሪሶ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ተምሃሮን 35 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርቲን ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ስማርት መምሃሪ ክፍሊታት ተግባራዊ ምግባር÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ከይዲ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪቦም።

ብማህሌት ተ/ብርሃን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.