Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 27 ፓርቲታት ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 27 ፓርቲታት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ክሳብ 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ እዋን፥ ብናይ ቀደም ሕጊ ሰርተፍኬት ዝነበሮምን ብነባር ሕጊ ምዝገባ ጀሚሮም ዝነበሩን 106 ፓርቲታት ኣብ ሓዱሽ ሕጊ ዝተቐመጡ መዐቀኒታት ንከማልኡ ብደብዳቤ ምግላፁ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ 76 ፓርቲታት ፖለቲካ ሰነዳቶም ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ብመሰረት እቲ ሕጊ ተማሊኡ ዝቐረበ ምዃኑ ይፃረ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ቦርድ ካብ መንጎ ‘ቶም ሰነድ ዘቕረቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም እቲ መዐቀኒ ዘማልኡ ዝብል ኣብ ቀፃሊ ዕላዊ ከምዝገብር እውን ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ትፅቢት ዝግበረሎም ሰነዳት ዘየእተዉን እዋን ንክናወሐሎም ዝሓተቱን 16 ፓርቲታት ፖለቲካ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም እቶም 13 ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዕጋቢ ምኽኒያት ብዘይምቕራቦም ንክስረዙ እቲ ቦርድ ከምዝወሰነ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ዝተሰረዙ 13 ፓርቲታት ፖለቲካ ፦

  1. የኢትዮጵያውን ዴሞክራሲያዊ አንድነት ንቅናቄ (ኢዴአን) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበን ጉባኤ ዘየካየደን
  2. የገዳ ስርአት አራማጅ ፓርቲ (ገሥአፓ) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ
  3. የየም ብሔረሰብ ዴሞክራሲያዊ ንቅናቄ (የብዴን) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበን ጉባኤ ዘየካየደን
  4. የደንጣ ዱባሞ ክችንችላ ህዝብ ዴሞክራሲያዊ ድርጅት – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበን ጉባኤ ዘየካየደን
  5. የኢትዮጵያ ብሔራዊ አንድነት ኮንግረስ (ኮንግረስ) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ
  6. የትግረ ወርጂ ብሔረሰብ ዴሞክራሲያዊ ድርጅት (ትወብዴድ) – ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘየካየደ
  7. የመላው አማራ ህዝብ ድርጅት (መአህድ) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበን ጉባኤ ዘየካየደን
  8. የኢትዮጵያውያን አንድነት ዴሞክራሲያዊ ድርጅት (ኢአዴድ) – ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘየካየደ
  9. የመላው አማራ ህዝብ ፓርቲ (መዐሕፓ) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ
  10. የኢትዮጵያውያን አገር አቀፍ ንቅናቄ (ኢሃን) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ
  11. የደቡብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ኮንግረስ (ደቡብ ኮንግረስ) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ
  12. የሸኮና አካባቢው ሕዝብ ዴሞክራሲያዊ ድርጅት (ሸአሕዲድ) – ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘየካየደ
  13. ነጻነትና ሰላም ለኢትዮጵያ ህብረት ፓርቲ (ነጻነትናሰላም) – ዝርዝር መስረትቲ ኣባላት ዘየቕረበ

ብኻሊእ መዳይ ድማ ብመሰረት ካብቲ ቦርድ ዝቐረበ ፃውዒት፥ ሰነዳት ዘየቕረቡን ውሱናት ድማ ምስ ካልኦት ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝተዋሃዱ ዝገለፁን ብድምር 14 ፓርቲታት ፖለቲካ ዘድሊ ሰነድ ብዘይምምልኦም ንክስረዙ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።

እቶም ዝተሰረዙ ፓርቲታት ፖለቲካ፦

  1. የኢትዮጵያ ራዕይ ፓርቲ
  2. መላው ኢትዮጵያውያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ
  3. የከምባታ ሕዝቦች ኮንግረስ
  4. የሐድያ ብሔር ዴሞክራሲያዊ ድርጅት
  5. የኦሞ ሕዝቦች ዴሞክራሲያዊ ኅብረት
  6. የዲል ወቢ ሕዝቦች ዴሞክራሲያዊ ንቅናቄ
  7. የቤንች ሕዝብ ዴሞክራሲያዊ ድርጅት
  8. የስልጤ ሕዝብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ
  9. የአፋር ሕዝብ ነፃነት ፓርቲ
  10. የሶማሌ አንድነት ፓርቲ
  11. ነፃነት ለአንድነትና ለፍትሕ ፓርቲ
  12. ብሔራዊ ተሀድሶ ለሰላም ልማት
  13. የደቡብ ምእራብ ኢትዮጵያ ሕዝብ ህብረት
  14. የጋምቤላ ክልላዊ ንቅናቄ

ብተወሳኺ “ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኢዴፓ)” ን “ወለኔ ህዝቦች ፓርቲ” ን ብፍሉይ ኩነታት ሰነድ ምስ ዘእተዉ ፓርቲታት ሰነዶም ንክረአየሎም ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.