Fana: At a Speed of Life!

ዓቕሚ ምሃብ ውሳነ ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ክቕፅል ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቕሚ ምሃብ ውሳነ ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ክቕፅል ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣገንዚበን።

ብኣተሓባባራይነት ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት፣ ዩ ኤን ውሜንን ፋውዴሽን ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስን ካብ ኩለን ከባታት እታ ሃገር ንዝተውፃእፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ብሽዱሽተ ዙር እናተውሃበ ዝነበረ “ስልጠና ማእኸለዎት ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ” መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ዘለወን ተሳትፎ  ንምዕባይ ፃዕሪታት ከምዝተገበረ ኣልዒለን፡፡

ብሽዱሽተ ዙር ዝተውሃበ ስልጠና ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዓቕሚ ላዕለዋይ መሪሕነት ምዕባይ፣ ናብ መሪሕነት ንኽመፅኣ ምሕጋዝን ምብርትታዕን ዕላማ ዘለዎ ኢዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ስልጠና÷ ማእኸለዎት ኣመራርሓ ደቂኣንስትዮ ብፍልጠትን ክእለትን ክህነፃን ምስ ማንዛ ደቂ ኣንስትዮ ልምዲ ክለዋወጣን ከምዘኽአለ ኣብሪሀን፡፡

“ብምዃኑ ዓቕሚ መሪሕነትን ውሳነ ምሃብን ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ” ኢለን።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ዝተውሃበ ስልጠና ተተካእቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ንምፍራይ፣ ዓቕሚ መሪሕነትን ምሃብ ውሳነን ንምዕባይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.