Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተመሓላለፉ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተመሓላለፉ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ድንጋገ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ንምኽባር ሰብ ኣብ ዝበዝሖም ከባቢታት፣ ዕዳጋታት፣ ትራንስፖርት መውሃቢ ቦታታትን ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝወሃበሎም ከባቢታትን ቁፅፅር እናገበረ ምዃኑ ገሊፁ።

ትማሊ ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ልደታ፣ ቦሌ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፣ ቂርቆስን ኮልፌ ቀራንዮን፥ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሐሎምን ዝተመረፁ 20 ቦታታትን ቁፅፅር ምግባሩ ኣብሪሁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝወፅአ ክልከላ ጥሒሶም ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ክኢሎም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፥ 1 ሺሕን 941 ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ብዘይምግባር፣ 860 ሰባት ኣካላዊ ርሕቐት ብዘይምሕላው ከምኡ እውን ኢድ ንኢድ እናተጨባበቱ ዝተረኸቡ 12 ውልቀ ሰባት፤ ብሓፈሻ ልዕሊ 2 ሺሕን 800 ክልከላ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ዝተረኸቡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.