Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ኣባላትን ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም።

ተሳተፍቲ እቲ ዑደት÷ “ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ መዘከሪ ታሪኽ ተጋድሎ ኢትዮጵያዊያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓዱሽ ወለዶ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ዝፈጥር ቀንዲ መለዓዓሊ እውን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኮሎኔል መኳንንት ደሳለኝን ሻምበል ሰለሞን በየነ÷ ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ድሙቕ ኣሰር ዘለዎ ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ዝተሃነፀ መዘከሪ ምዕዛቦም ፍሉይ ዕግበት መንፈስ ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡

ብፍላይ ንኣባላት ሰራዊት ትርጉሙ ብዙሕ ከምዝኾነ ምግላፆ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.