Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ንፕሬዚዳንት ኣሶሴሽን ፈተውቲ ሃገራት ህዝቢ ቻይና ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ብፕሬዚዳንት ኣሶሴሽን ፈተውቲ ሃገራት ህዝቢ ቻይና ሚስተር ያንግ ዋንሚንግን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፤ ጥንኩር ታሪኻ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብብርኪ መንግስቲ ንመንግስቲ ይኹን ብርክብ ፓርቲ ንፓርቲ ብዝበለፀ ንኽጉልብት ፓርቲ ብልፅግና ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም።

እተን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ብዘላቕነት ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምግንዛብ እናፀዓሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም እናፍሰሱ ከምዝርከቡ ብምሕባር÷ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ስልጠናን ልውውጥ ልምዲን ካብ ቻይና ንዝተገበሩ ሓገዛት ኣመስጊኖም፡፡

ያንግ ዋንሚንግ ብግደኦም÷ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ልምዓት ከተማን ማሕበራዊን ዝረኸቦም ዓወታት ብዙሓት ከምዝኾኑ ብምግላፅ ንዝተመዝገበ ዓወት ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣባል ጥምረት ሃገራት ብሪክስ ዝኾነት÷ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባን ንመላእ ኣፍሪካን ዓብዪ መበገሲ ነጥቢ ከምዝኾነት ብምልዓል፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዉ ርክባት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምሕባሮም ሓበሬታ እቲ ፓርቲ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.