Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ንጉዱኣት ኣካል ተምሃሮ ልዕሊ 8 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ፌደሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ልዕሊ 8 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ሓገዝቲ መሳርሒታት ገይሩ።

ኢትዮ ቴሌኮም ምስቲ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር ካብ መላእ ሃገር ንዝተውፃፅኡ 500 ንዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል ተምሃሮ ኢዩ ሓገዝ ገይሩ።

እቶም ናውቲ ሓገዝ÷ ዊልቸር፣ ክራንች፣ ፃዕዳ በትሪን ንምስማዕ ዝሕግዙን መሳርሒታት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ተምሃሮ 62 ዊልቸር፣ 25 ክራንች፣ 59 ፃዕዳ በትሪን 53 ንምስማዕ ዝሕግዙ መሳርሒታትን ብሓፈሻ 199 ናውቲታት ሓገዝ ተገይሩ፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.