Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ቀረባ እዋን ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ግዕዝይናን ምጉልእላእን ዝተጠርጠረ ሰራሕተኛ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተጓዓዚት ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ግዕዝይናን ምጉልእላእን ዝተጠርጠረ ሰራሕተኛ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ተገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ መገዲ ኣየር ቦሌ ብዝፍፀሙ ገበናት ነቲ መገዲ ኣየር ሙሉእ ብሙሉእ ተሓታቲ ምግባር ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ እቲ መገዲ ኣየር፥ ኢሚግሬሽን፣ ጉምሩክ፣ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ከምኡውን ፖሊስ ፌዴራል ነናይ ባዕሎም ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን  ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተጓዓዚት ዝተፈፀመ ግዕዝይናን ምጉልእላእን ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩክ እንበር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይኮኑን ኢሎም።

ኣብቲ መገዲ ኣየር ልዕሊ 3 ሺሕ ካሜራታት ድሕንነት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 145 ኣውሮፕላኖች ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ትእዛዝ ዕድጊት ሓደሽቲ ነፈርቲ ከምዝተውሃበ ሓቢሮም።

ብቅድስት ተስፋየ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.