Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተሳለጠ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ፑቲን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሩሲያ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተሳለጠ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ወዲ 71 ዕድመ ቭላዲሚር ፑቲን ንቐፀልቲ 6 ዓማውቲ ክመርሑ ዘኽእሎም ድምፂ ረኺቦም።

ማእኸላይ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ከምዝገለፆ፥ ፕሬዚዳንት ፑቲን ልዕሊ 87 ሚኢታዊ ደምፂ ብምርካብ ተዓዊቶም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብቲ ዝተሳለጠ ምርጫ ልዑል ንሕንሕ ከምዘየጋጠሞም እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ፕሬዚዳንት ካብ 1999 ዓ.ም ፈረንጂ ጀሚሮም ነታ ሃገር ዝመርሑ እንትኾኑ፥ ኣብ ታሪክ 200 ዓመታት ንነዊሕ እዋን ንሩሲያ ናይ ምምራሕ ዕድል ዝረኸቡ መራሒ ከምዝኾኑ ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.