Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ልዕሊ 9 ሺሕ ሰባት ብሕማም ንፍዮ ተታሒዞም – ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ልዕሊ 9 ሺሕን 500 ሰባት ብሕማም ንፍዮ ከምዝተትሓዙ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ 10 ክልላት ኣብ ዝርከባ 91 ወረዳታት እቲ ሕማም ከምዘሎ ኣብቲ ኢንስቲትዩት መተሓባበሪ ጉጅለ ትዕዝብቲን ምላሽን ብክታበት ንከላኸለሎም ሕማማት ሚኪያስ ኣላዩ ገሊፆም፡፡

“በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ልዕሊ 9 ሺሕን 500 ሰባት ብሕማም ንፍዮ ተታሒዞም፤ ህይት 63 ሰባት እውን ሓሊፉ” ኢሎም፡፡

ዝርገሐ እቲ ለበዳ ብስፍሓት ካብ ሞንጎ ዝረአየለን ክልላት÷ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ማእከላዊ ኢትዮጵያን ቀዳሞት ከምዝኾና ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ለበዳ ሕማም ንፍዮ ንምክልኻል ስሩዕ ክታበት ምጥንኻርን ክታበት ዘይወሰዱ ህፃናት ናይ ምኽታብ ስራሕን ከምዝቐፀለ ብምግላፅ÷ ኣብ ክልተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሚሊየን ህፃናት ከምዝተኸተቡ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 57 ሺሕ ሰባት ብሕማም ንፍዮ ከምዝተትሓዙን ካብ 460 ንላዕሊ ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣዘኻኺሮም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.