Fana: At a Speed of Life!

ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራው ዳይሬክተር ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራው ዳይሬክተር ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ተሾይሞም።

እቶም ጀነራል መኮንን ብመምርሒ ዘውውር ተጠንቀቕ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ መሰረት ብምግባር ዝተሸየሙ እንትኾኑ፥ እቲ ትካል ሓዱሽ ምትካእ ኣመራርሓ ምግባሩ ብቅኑዕ ኣንፈት ንምጉዓዝ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራው ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ዳይሬክተር ሓይሊ ተጠንቀቕ ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ከገልግሉ ኢዮም።

እቶም ብርጋዴር ጄኔራል ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ተረኺቦም እቲ ሓላፍነት ከምዝዝተረከቡ ካብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.