Fana: At a Speed of Life!

ምስ ምኽባር ወሰንን ክፍሊት ካሕሳን ንዝለዓሉ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ዘኽእል መመሓየሺ ማዕቐፍ ሕጊ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ስራሕቲ ህንፀት ተዛሚዱ ምኽባር ወሰንን ክፍሊት ካሕሳን ንዝለዓሉ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ዘኽእል መመሓየሺ ማዕቐፍ ሕጊ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ወንድሙ ሴታ(ኢንጂነር)፥ ተረባሕነት መሰረተ ልምዓት ዜጋታት ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ስራሕቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ብዝተትሓዘሎም ባጀትን ገደብ ግዘን ተዛዚሞም ንዜጋታት ኣገልግሎት ንክህቡ ደገፍን ክትትልን ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

በዚ ከይዲ ምስ ምኽባር ወሰንን ክፍሊት ካሕሳን ንዝለዓሉ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ዘኽእል መመሓየሺ ማዕቐፍ ሕጊ ይግበር ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

እቲ መመሓየሺ ሕጊ፥ ትሕዝቶ መሬት ዝስደደሉ፣ ካሕሳ ዝኽፈለሉን ተልዓልቲ ዜጋታት እግሪ ዝተኽልሉን ኩነታት ንምውሳን ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1161/2011 ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.