Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሕቶ ኣለኒ ምስ ዝብል ሓይሊ ንምዝታይ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ኣለኒ ምስ ዝብል ሓይሊ ንምዝታይ ድሉው ከምዝኾነ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ትካል ሰላም ኢትዮጵያ ምስ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ) ብምትሕብባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለዐ ጎንፂ ብዘተን ብሰላማዊ መገዲን ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕሪታት ንምድጋፍ ዕላማ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ዝተፈላለዩ  መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ጎንፂታት ናይ ነዊሕ ታሪኽ፣ ዝናን ምስሊን ሃገር ዘበላሹ ከምኡ እውን ዜጋታታ ዝጎድእ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምዃኑ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሕቶ አለኒ ምስ ዝብል ሓይሊ ንምዝታይ ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ካልኦት ከባቢታትን ዘጋጥሙ ጎንፂታት ብልዕልነት ሓሳብ መፍትሒ ንመሃብ ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ትካል ሰላም ኢትዮጵያ ዘላቒ ሃገራዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ብምንኣድ፤ ካልኦት እውን ኣብ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.