Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ተወከልቲ ጣሊያን ምኽክር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ስቴፋኖ ጋቲ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዑደት ገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዑደት÷ ዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያን ስቴፋኖ ጋቲ፣ ተወከልቲ ኢንተርፕራይዛት ጣሊያን፣ ካሳ ዴፖዚቲ ኢ ፕሬስቲቲን ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌሴን ተረኺቦም።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝተቐበሉ ሚኒስትር ዴኤታታት ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰውን÷ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ትኹረት ምስ ዝተውሃቦም ጉዳያት ዝተጠዓዓመ ቅልጡፍ ሓገዝ ገንዘብ መንግስቲ ጣሊያን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ምቅንባር ሕርሻ፣ ሓይሊ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምምሕያሽ መፍረያይነት ቡንን ምትእስሳር እታወት ምዕባይን፣ ኣብ ልምዓት ከተማታት ምትሕብባር ልምዓት ኣብ ምስፋሕ ዘለዉ ፕሮጀክታት ንምቅልጣፍ ብቐረባ ንምስራሕ ብወገን ጣሊያን ድሌት ከምዘሎ እቲ ልኡኽ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጣሊያን ፕሬዚዳንት ጉጅለ 7 ከም ምዃና ክፍሊት ንብረት ኣየርን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ብመንግስቲ ጣሊያን ዕላዊ ዝተገበረ “ማቲ ፕላን” ንልምዓት ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ክኣቱ ብምግባር ጠለብ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ቃል ኣቲያ ኢያ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ድማ ንሓበራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራትን ህዝቢታትን ብምቅርራብ ንምስራሕ መስመራት ርክብ ንምጥንኻ ከምዝተስማዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.