Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 21 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ጉምሩክ ጅግጅጋ ኣቢሉ ብዝተገበረ ክትትል 21 ሚሊየን 963 ሺሕን 500 ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣተውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ÷ ካብ ሶማሊያ ናብ ከተማ ጅግጅጋ ክኣትዉ ክብሉ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

እቶም ኣቑሑት ስርዓት ጉምሩኽ ዘይተፈፀመሎም ከምዝኾኑ ሓበሬታ ሚኒስቴር እቶት የመላኽት፡፡

ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዘብፀሖ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምግታእ ኢሉ እውን ንምክልኻል÷ መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን ዘከኣሎም ርብርብ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.