Fana: At a Speed of Life!

ንጋዛ 200 ቶን ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ቆጵሮስ ክትፀንሕ ከምዝተገደደት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ እንተይተገበረ ፆም ረመዳን ብምጅማሩ ንጋዛ 200 ቶን ሓገዝ ምግቢ ዝፀዓነት መርከብ ኣብ ቆጵሮስ ክትፀንሕ ከምዝተገደደት ተገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል መንግስቲ ቆጵሮስ ኮንስታንቲኖስ ሌቲምቢዮቲስ÷ ንድሕንነት እንትበሃል እታ መርከብ ትለዓለሉ ትኽክለኛ ሰዓት ዕላዊ ከምዘይግበር ተዛሪቦም፡፡

ይኹ እምበር ድሕሪ ሰዓታት ክትንቀሳቐስ ኢያ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣመልኪቶም፡፡

“ምድንጓይ መበገሲ ሰዓት እታ መርከብ ፤ ሓገዝ ናብ ጋዛ ንምጉዕዓዝን ንምብፃን ግልፂ ዘይኮነ ዝተሓላለኸ ኩነታት ከምዘሎ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እስራኤል 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ንዝኸውን ህዝቢ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምቹው ኩነታት ኣይፈጠረትን ብዝብል ብተደጋጋሚ ክሲ ቀሪቡዋ።

ጥልቀት ዘይብሉ ጠረፍ ባሕሪን ሕፅረት ወደባትን ኣብ ከምዚ ዝበሉ ናይ ባሕሪ ስራሕቲ ኣፀጋሚ ከምዝገብር እውን ተሓቢሩ፡፡

ብሓዱሽ ናይ ባሕሪ መተሓላለፊ ኣቢሉ ዝቐርብ ሓገዝ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ኩነታት ክንደይ ዝኣክል ከምዝድግፎን ከምዝጎድኦን ግልፂ ዘይምዃኑ ምሕባሩ ዘ ጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.