Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ቫይረስኮሮና ፀገም ጥዕና ኣእምሮ የስዕብ ኣሎ- ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት ሃገራት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ሰፊሕ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው ይፈጥር ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

ነዚ ድማ ብዙሓት ሃገራት ንጥዕና ኣእምሮ ትኹረት ይህባ ብዘይምህላወን ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ቫይረስ ንምቁፅፃርን ንዝሓመሙ ሰባት ንምድሓንን ፃዕሪ እናገበሩ ዝውዕሉ ሰብሞያ ሓዊሱ፥ ካብ ስርሖም ዝተኣገዱ ወይ ዝተነከዩ፣ ኣብ ገዝኦም ደቆም የምህሩ ዘለው፣ ኣብ ብሕታውነት ዘለዉ ኣረጋውያን ኩሎም ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ንጭንቀትን ፀገም ጥዕና ኣእምሮን ይቃልዑ ከም ዘለው ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ጎድና ጎድኒ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝስርሑ ስራሓቲ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ’ውን ክሕሰበሉ ኣለዎ ኢሉ።

እዚ ቅልጡፍ ምላሽ እንተዘይተዋሂቡዎ ግን ዓለም ናብ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ክትኣቱ ትኽእል እያ ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.