Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 264 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 264 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ 5 ክሳብ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ኢዩ 195 ነጥብ 9 ሚሊየን ብር ኣታዊን 68 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ዝተትሓዙ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ ኣፋውስ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ መዕወኒ ሓሽሽ፣ መለዋወጢ መኪና፣ ምግቢን ዘይቲን ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ይርከቡዎም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር÷ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ጉምሩኽ ኣዋሽ፣ ጅግጅጋን ሞያሌን ቀዳማይ ቦታ ከምዝሕዙ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ሸሞንተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.