Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጠረጴዛ ስልጣን እንተዘይበፂሐን ሙሉእ ፍትሒን ዴሞክራሲን ኣሎ ኣይበሃልን – ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመሰረታዊነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጠረጴዛ ስልጣን እንተዘይበፂሐን ሙሉእ ፍትሒ፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ኣሎ ኣይበሃልን ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ÷ ብብርኪ ዓለም ንመበል 113 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 48 ግዘ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

ኣብ መልእኽተን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር እንትጅመር ዋላኳ ክትግበሩ ዝግበኦም ብዙሓት ነገራት ይንበሩ እምበር ንባዕለን ግዘ ብመሃብ ተኣኪበን ምዝርራብ ዝኽእላሉ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ከይዲ ስዒቡ ድሕሪ 40 ዓመታት ብዙሕ ለውጢታት ተራኢዮም ኢዮም ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት÷ ሎሚ ናተን ኣብ ብርኪ ፕሬዚዳንት ሃገርነት ምብፃሕ ኣካል ውፅኢት እቲ ለውጢ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

ምምፃእ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ሚኒስትራትን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጓል ኣንስተይቲ ምዃነንን መርአዪ ውጽኢት እቲ ቃልሲ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ በዚ ደረጃ  እዚ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስልጣንን ኣመራርሓን ምብቃዕ ብስጦታ ዝተውሃበ ዘይኮነ ናይ ምስራሕ ዓቕመን ኣርእየንን ኣመስኪረንን ዝረኸበኦ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

ይኹን እምበር እቲ ለውጢ ክብፅሖ ኣብ ዝግባእ ደረጃ ከምዘይበፅሐን ብዙሕ ምስራሕ ከምዘድሊን ሓቢረን፡፡

ብታምራት ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.