Fana: At a Speed of Life!

ውልቀ ኮሌጃት ኣብ ምክልኻል ተላባዲ ቫይረስ ኮረና ሓላፍነተን እናተዋፀኣ ከምዝርከባ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውልቀ ኮሌጃት ኣብ ምክልኻል ተላባዲ ቫይረስ ኮረና ሓላፍነተን እናተዋፀኣ ከምዝርከባ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ትግራይ ዶክተር ሙሉጌታ ሓዱሽ ከም ዝገለፅዎ፥ ኣብዚ ክፉእ ጊዜ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ውልቀ ኮሌጃት እውን ልዑል ተራ ይፃወታ ኣለዋ።

እቲ ቢሮ ምስ ማሕበር ውልቀ ኮሌጃት ትግራይ ብምዃን “ህዝቢ እንተዘይ ሃልዩ ትካል ክህሉ ኣይኽእልን ህዝቢ እንተዘይ ሃልዩ ልምዓት ክህሉ ኣይክእልን” ብዝብል ናይ መንግስቲ ኣዋጃት ብምክባር ኮቪድ-19 ኣብ ምቅላስ ይስራሕ ከም ዘሎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

መካየዲ ስራሕ ማሕበር ውልቀ ኮሌጃት ትግራይ መምህር ሊቀ ልኡላን ሓጎስ ብግደኦም፥ ኣብቲ ማሕበረሰብ ይኹን ስታፍ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ናይ ግንዛበ ስራሕ ንክሕዙ እተን ኮሌጃት ልዑል ምንቅስቃስ እናገበራ ከምዝርከባ ገሊፆም።

ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ዝተፀገሙ ወገናት ንምሕጋዝን ብንዋትን ገንዘብን ደሚርካ እንትርአ ልዕሊ ብር 4 ሚልዮን ሓገዝ ተገይሩ እዩ ኢዩ ኢሎም።

እተን ኮሌጃት ንመፅንሒ ሕሙማት ክውዕላን ብዘለወን ገንዘብ ይኹን ንብረት ንምሕጋዝ ድሉዋት ከምዝኾና እውን ገሊፆም።

እተን ኮሌጃት ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ዜጋ ኣብ ምህናፅን ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበራ ከምዝርከባ መምህር ሊቀልኡላን ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.