Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ትዋሰነሎም ጠረፋት ተወሰኽቲ 5 ኬላታት ክትከፍት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ትዋሰነሎም ጠረፋት ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ኬላታት ክትከፍት ኢያ።

እቶም ዝኽፈቱ ኬላታት ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝግበር ቁፅፅር ምቹው ንምግባር ምዃኑ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዜግነትን ወሳኒ ኩነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዘፍለጦ፥ እቶም ንምኽፋት ዝተዳለዉ ሓሙሽተ ኬላታት ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ኣምሓራን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ዝርሀቡ ዶባት ኢዮም።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝራኸቡ 12 ኬላታት ዝነበሩ እንትኾኑ፥ እቶም ዶባት ሰፋሕቲ ስለዝኾኑ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብእግሮም ኣቋሪፆም ዝኣትዉ ሰባት ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ገይሩዎ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ነዙይ መበገሲ ብምግባር ድማ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተጣየሸን ብሚኒስቴር ሰላም ዝምራሕን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ኣብ ተረፍ ከባቢታት ዝርከቡ ኬላታት ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

ኣብቲ እዋን ዑደት ዝተርኣዩ ክፍተታት መበገሲ ብምግባር፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ ሰባት ንምቁፅፃርን ምስ ሕብረተሰብ ቅድሚ ምፅምባሮም ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ንምእታውን ተወሳኺ ሓሙሽተ ኬላታት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኸኣትዉ ምውሳኑ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ደሳለኝ ተሬሳ ገለፆም።

እቶም ዝኽፈቱ ሓደሽቲ ኬላታት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምንካይ ዝህልዎም ግደ ልዑል ከምዝኸውን ተኣሚኑሎም ኣሎ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.