Fana: At a Speed of Life!

ብምውፋር ስራሕ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ን1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምውፋር ስራሕ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ን1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል÷ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሪፎርምታት ናብ ዝተማለአ ተግባር ናይ ምቕያር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣልዒለን፡፡

ስርዓት ናይ ምህናፅን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፅሬት ከይህልዎ ዝገበሩን ማሕለኻታት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ኣንፈታት ብምቕማፅ ብትኹረት ከምዝተሰርሐ እውን ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ሓፀርቲ ስልጠናታት ተበፃሒ ንምግባር ተሓሲቡ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ምብፃሕ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን፡፡

ብኻእ መዳይ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምውፋር ስራሕ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ን1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ገሊፀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.