Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት እንተይተሓረሰ ፆሙ ዝሓድር መሬት ኣይህሉን – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት እንተይተሓረሰ ፆሙ ዝሓድር መሬት ከምዘይህሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኮቪድ19 ኣብ ውሕስና ምግቢ ዘለዎ ፅዕንቶን ለበዳ ዕስለ ኣምበጣ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ክረምቲ ኣዋርሕ ብምኽንያት ክልቲኦም ፀገማት ተወሳኺ 15 ሚሊየን ሰባት ሓገዝ ከድሊዮም ይኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምህርቲ ክቕንስ ከምዝኽእልን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ኣብ ለኣኽቲ ብዝፍጠር ፀገም ምኽንያት ስርናይ ዘይክህሉ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ክፍጠር ዝኽእል ጉድለት ምህርቲ ንምምላእ ድማ ክልላት ሕድሕድ ተሓራሳይ መሬት ንክሕረስ ክገብሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተዛሪቦም።

እቲ መሬት ዝሓዙ ሰባት ፈለማ ምህርቲ ንኸፍርዩ ክግበር ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣቱ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝፈሪ ስሩዕ ምህርቲ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዋና ዋና ዝራእቲ ተወሳኺ 40 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ምፍራይ ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ።

ዕምበባ ሓዊሱ ኣትክልቲን ፍረምረን ድማ ተወሳኺ 50 ሚሊየን ኩንታል ንምፍራይ ቅድመ ምድላው ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.