Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ቅድመ መከላኸሊ ክታበት መንሽሮ በሪ ማህፀን ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ቅድመ መከላኸሊ ክታበት መንሽሮ በሪ ማህፀን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምሃብ ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መግለፂ ዝሃባ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ እቲ ሚኒስተቴር ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ንዝኾና 14 ዓመት ንዝኾነን ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ ክታበት ከምዝተውሃበ ገሊፀን።

“ቅድሚ ሕዚ እቲ ክታበት ብክልተ ዙራት እናተውሃበ ዝነበረ እንትኸውን÷ ብብርኪ ዓለም ብዝተገበረ ምርምር ሓደ ግዘ ጥራሕ ምሃብ እኹል ከምዝኾነ ብምርግጋፁ እቲ ክታበት ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ሓደ ግዘ ጥራሕ ክወሃብ ኢዩ” ኢለን።

ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ወፍሪ ክታበበት ክሳብ 29 ለካቲት 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ነዚ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸፈቱ ማእኸላትን ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.