Fana: At a Speed of Life!

ሳተላይት ስለላ ደቡብ ኮሪያ ፅሬት ዘለዎም ምስሊታት ምልኣኻ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ናብ ህዋ ዘሕምበበታ ፈላመይቲ ናይ ስለላ ሳተላይት ፅሬት ዘለዎም ምስሊታት ሰሜን ኮሪያ ብምልዓል ምልኣኻ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ወር ናብ ህዋ ዝተሓምበበት ሳተላይት፤ ዝተውሃባ ልኡኽቶ ብብቕዓት ምፍፃማ ዝተሓበረ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ንርእሰ ከተማ ሰሜን ኮሪያ ፒዮንግያንግ ሓዊሱ ምስሊ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብፅት ብምስኣል ክተመሓላልፍ ከምዝኸኣለት ተሓቢሩ።

ግልጋሎት ዜና ደቡብ ኮሪያ ዮንሃፕ ካብ ወታደራዊ ፍልፍላት ረኺበዮ ኣብ ዝበሎ ሓበሬታ÷ ፕሬዚዳንት ሰሜን ኮሪያ ቤት ፅሕፈቶም ይርከበሉ ኣብ ዝተብሃለ ዋና ቤት ዕዮ ሰራሕተኛታት ኮሪያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምስሊታት በታ ሳትላይት ከምዝተለዓለ ኣመልኪቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.