Fana: At a Speed of Life!

መበል 128 ዓመት ዓወት ዓድዋ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 128 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ሓዊሲ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝኽሪ ሓወልቲ ዳግማዊ ሃፀይ ሚኒሊክ ሕቑፊ ዕንበባ ኣንቢሮም።

ንሃገሮምን ነፃነቶምን መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ሃርበኛታት ፀሎት ሕልና ተገይሩ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.