Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ቅድመ ምድላው ሓምለዋይ ዓሸራ ተኸላ ፈልሲ ኣድሂቦም ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቅድመ ምድላው ሓምለዋይ ዓሸራ ተኸላ ፈልሲ እዚ ዓመት ኣድሂቦም ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ቅድመ ምድላው ተኸላ ፈልሲ ዝምልከት መብርሂ ብሚኒስቴር ሕርሻ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ኣባላት ሃገራዊ ኮሚቴ መተሓባበርቲ፣ ኣባላት ኮሚቴ ቴክኒክ፣ ናይ ክልል ፕሬዚዳንታት፣ ህዝቢ ንምልዕዓል ዝሰርሑ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት ሓዊሱ ካልኦት ዓበይቲ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ተኸላ ፈልሲ፥ ምልዕዓል ህዝቢ፣ ብቑዕ ተሳትፎ ኣመራርሓ መንግስቲ፣ ምትሕብባር ትካላትን መዳርግቲ ኣካላትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ተገሊፁ።

እቶም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፅቡቓት ተሞክሮታት ምድንፋዕ ከምዘድሊ እውን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብዚ ዓመት 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ነዚ ዝኸውን በዝሒ ዘለዎም ፈልሲታት ናይ ምርባሕ ቅድመ ምድላው እናተሳለጠ ፀኒሑ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ ጅማሮ ክቕፅል ምግባር ከምዘድሊን ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓማውቲ ብብርኪ ሃገር 20 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ከምዝቕፅልን ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.