Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ልዕሊ 88 ሽሕ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ትኹረት ብምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ተላባዲ ኮረና ቫይረስ ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ልዕሊ 88 ሽሕ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ትኹረት ብምግባር ይነጥፍ ከምዘሎ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ መንግስቲ ትግራይ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ምእዋጁ ስዒቡ ኣብ 42 ወረዳታት ዝርከቡ ልዕሊ 88 ሽሕ ኣባል ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ንኽሰርሑ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ኢዮም ሓላፊ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብስላሴ ዝገለፁ።

ነጋዳይ ኣብ ቁጠባ እዛ ክልል መሰረት ብምግባር ዝነጥፍ ብምዃኑ፥ ቅድሚ ኩሉ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብምቕዳም ምስ ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ብዘይፃባእ መንገዲ ንኽነጥፍ እኹል መምርሒ ከምዝተውሃቦ እውን ኣብሪሆም።

ብዝኾነ ምኽንያት ተበሊፁ ኣብ ምውሳኽ ዋጋ፣ ኣብ ምሕባእ ኣቕሑት ይኹን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሩ ዝተረኸበ ነጋዳይ ንዝምልከቶ ኣካል ብምፍላጥ ሕጋዊ ዝኾነ ስጉምቲ ንኽውሰዶ ምግባር ዕለታዊ ተግባር እቲ ቤት ምኽሪ ኢዩ ኢሎም።

ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራት ክልል ትገራይ፥ ኣብ ሕድሕድ ኣባል ማሕበረሰብ ንግዲ እቶም መከላኸሊ ሜላታት ከም ኣልኮል፣ ሳኒታይዘር፣ ሳሙናን ማይን ብምጥቃም ርሕቐት ሓሊኻ ምንቅስቓስ ክግበር፣ ኣብ ምግዛእን ምሻጥን ዝግበር ምልውዋጥ ብጥንቃቐ ክፍፀም ከምዘለዎን ሰብ ክእከበሎም ዝኽእሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ክህልዉ ከምዘይግባእን እውን እቶም ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።

ሕፅረት ቀረብ ሸቐጣት ከየጋጥም፣ እንተጋጢሙ እውን ብዝተኸኣለ መንገዲ ክማላእ ኣብ ምግባር፣ ምስዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ክልላት ኣብ ዝግበሩ ንግዳዊ ርክባት ጥንቃቐ ዝተመልኦ ንክኸውን፥ ንኣምፃእትን ወሰድትን ነጋዶ እቲ ክልል ግንዛበ ከምዝተውሃን ይኹን እምበር ምሉእ ዝኾነ ኣካይዳ ከምዘየለ ኣይተ ኣሰፋ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.