Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓታት ዞባ ክልል ደቡብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓታት ዞባ ክልል ደቡብ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፥ ክልል ደቡብ ብብዙሕ መስሕባት ተፈጥሮን ባህልን ዝተዓደለ ኢዩ።

“እዞም እወንታዊ ኣጋጣሚታት ንምጥቃም ብሓባር እንተሰሪሕና፥ እቲ ክልል ንኻልኦት እውን ዝኣክል ማእኸል ልምዓት ክኸውን ኢዩ” ክብሉ ብዙሕ ግዜ ከምዝተዛረቡ ሓቢሮም።

“ናብቲ ክልል ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተጓዓዝኩሎም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንልምዓት ‘ቲ ህዝቢ ዘድልዩ  ብዙሓት ዛዕባታት ካብ ኣንደበት እቲ ማሕበረሰብ ኣዳሚፀ ኢየ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ  ሚኒስትር፥ ኩሎም መሰረታዊ ድልየታት ብሓደ ጊዘ ምምላእ ዘይከኣል እኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ግዙፋት መሰረተ ልምዓታት፣ ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ተግባራትን ተፈፂሞም ኢዮም ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ምስ እቶም ኣመራርሓ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ፥ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕባለን ዘላቒ ሰላምን ንክህሉ መርህታት መሓዉር ምምሕዳር ቀዳምነት ብምሃብ ምርኣይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ኣፍሊጦም።

ብዝርዝር ክረኣዩ ዝግበኦም ካልኦት ዛዕባታት እውን ኣብቲ መድረኽ ከምዝቐረቡ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ “እቶም ጉዳያት ብዝግባእ ማዕቢሎም ተመሊስና ንክንዛተየሎም ተስማዕሚዕና ኢና” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.