Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መበል 13 ሰነድ ማዕቐብ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መበል 13 ሰነድ ማዕቐብ ከምዘፅደቐ ተገሊፁ።

ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ምስ ዘሎ ኩነታት ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መበል 13 ሰነድ ማዕቐብ ንምፅዳቕ ብመምርሒ ደረጃ ከምዝተስማዕምዑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሰነድ ብሕብረት ኣውሮፓ ካብ ሞንጎ ዝፀደቑ ማዕቐባት ሓደን ሰፊሕን ከምዝኾነን ፅሑፋዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት ብስሩዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 24 ለካቲት ከምዝፀድቕ ብዝቐረበ መግለፂ ተመልኪቱ።

ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን÷ ብ27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብሓጎስ ከምዝተቐበለኦን በደስታ እቲ ማዕቐብ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕለላናት ሩሲያ ናይ ምጥቃም ዕድል ከምዝንኪን ተዛሪበን።

ዲፕሎማሰኛታት ከምዝገለፁዎ ሓዱሽ ማዕቐብ ሕብረት ኣውሮፓ ሚኒስትር ምክልኻል ሰሜን ኮሪያ ካንግ ሱን ናም ንሞስኮ ባሊስቲክ ሚሳኤላት ምስ ምቕራብ ተተሓሒዙ እገዳ ንብረትን ቪዛን ዘንብር ኢዩ።

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኲናት ክልተ ዓመት ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ማዕቐብ ዘንበረ እንትኸውን÷ ክሳብ ሕዚ 2 ሺሕ ዝኾኑ ሰብ መዚን ንብረተታትን ኣብ ፀሊም መዝገብ ከምዘስፈረ እውን ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.