Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር መባፅሕቲ ሃገራት ናይ ምስፋሕ ስራሕ ከምዝተጠናኸረ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምቹው ዕድል ስራሕ ንምፍጣር መባፅሕቲ ሃገራት ናይ ምስፋሕ ፃዕርና ኣጠናኺርና ቀፂልና” ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን፡፡

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ምስ ሚኒስትር ስራሕ ኳታር ኣሊ ቢን ሳሚክ ኣል ማሪ (ዶ/ር) ኣብ ዶሃ ተዛቲየን፡፡

ዲፕሎማሲ ስራሕ ዕድል ስራሕ ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብሪሀን፡፡

ቅድም ክብል ካብ ዝነበረ ምውፋር ስራሕ ውሽጢ ገዛ ሓሊፉ ብሓዱሽ መልክዑ ዝሰለጠነን ብኽፋል ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ንኳታር ዕዳጋ ስራሕ ንምቕራብ ኣብ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.