Fana: At a Speed of Life!

ዓመፅቲ ሁቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ እንግሊዝ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ፈፂሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመፅቲ ሁቲ የመን ብወሽመጥ ባሕሪ ኤደን እናተጓዓዘት ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መርከብ እንግሊዝ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀሙ ኣቐባሊ ቃል እቶም ዓመፅቲ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቶም ዓመፅቲ ያህያ ሳር÷ ኣብ ልዕሊ ናይ ፅዕነት መርከብ እንግሊዝ ዕዉት መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀሙን እታ መርከብ ብዝበፅሓ ጉድኣት ክትሰምጥ ከምዝቐረበትን ገሊፁ፡፡

ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ግን ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘየጋጠሞም ኣፍሊጡ፡፡

ካብ መጥቃዕቲ እታ መርከብ ብተወሳኺ ንብረትነታ ናይ ኣሜሪካ ዝኾነት ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ኣብ የመን ግዝኣት ሁዳይዳህ ወቒዖም ከምዘውደቑ እቲ ኣቐባሊ ቃል ገሊፁ፡፡

እቶም ዓመፅቲ ንፍልስጤም ዘለዎም ድጋፍ ንምግላፅ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ዝበሉወን መራኽብ እንግሊዝን ኣሜሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍናው ከምዝቕፅሉ እውን ኣመልኪቶም።

ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ብግድኡ÷ ዓመፅቲ ሁቲ ንፈለማ እዋን ናይ ውሽጢ ማይ ድሮን ንዒላማ መጥቃዕቲ ከምዘውዓሉ ብምግላፅ፤ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ብዝወሰዶም ሓሙሽተ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲታት ክሩዝ ሚሳኤላትን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን እቶም ዓመፅቲ ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ዓመፅቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጀመሩሉ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዑል ወታደራዊ ነሳርሒታት ኣብ ጥቕሚ እናውዓሉ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ እዚ፤ እዚ ድማ ኣብቲ ወሽመጥ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኅብ ንግዲ ኣሜሪካ ዘሎ ስግኣት ድሕንነት ብዝበለፀ ከምዘጋደዶ ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.