Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ማእኸል መማዕበሊ ተሃድሶን ክእለትን ደቂ ኣንስትዮ ይዛዘም ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ህንፀቱ ዝተጀመረ ማእኸል መማዕበሊ ተሃድሶን ክእለትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ዝርከበሉ ብርኪ ከምዝተገምገመ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ገሊፀን፡፡

ብዝተላለዩ ምኽንያታት ንማሕበራዊ ፀገማት ፆታዊ ንግዲን ዝተቓላዓ ደቂ ኣንስትዮ፤ ተሃድሶ ብመሃብ መሊስካ እግሪ ንምትካል እናተሃነፀ ዝርከብ ማእኸል መማዕበሊ ተሃድሶን ክእለትን ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ኣብሪሀን።

እቲ ማእኸል በቢዓመቱ ክሳብ 10 ሺኽ ዝኾና ጎዳና ሓደር ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ብመሃብ ብዘላቕነት እግሪ ንኽተኽላን ኣታዊ ክረኽባን ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.