Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሓምለ ንምጅማር ዘለዋ ትልሚ ተግባራዊ ከምትገብር ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሓምለ ንምጅማር ዘለዋ ትልሚ ተግባራዊ ከምትገብር ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሑዎን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፉሉን ኮሚቴ ቴክኒክ ግድብ ህዳሰ፥ ብሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ኣቢሉ ዝርዝር ከይዲ ስራሕ እቲ ግድብ ዝምልከት ፀብፃብ ቀሪቡ ዘተ እናተኻየደሉ ይርከብ።

ኣቢቲ ፀብፃብ ከምዝተገለፀ፥ ስራሕቲ ህንፀት ሲቪል ምህንድስና 87 ሚኢታዊ፤ ሓፈሻዊ ህንፀት እቲ ግድብ ድማ 73 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ፈላማይ ስራሕ ምልኢት ማይ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ብርኪ ህንፀት ከምዝብፅሐን ተግባራዊ ከምዝግበርን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ ገሊፆም።

ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ንኸይጅመር ግብፂ ናብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቅሬታ ምእታዋ ብዝምልከት ድማ፥ ኢትዮጵያ ግቡእ ዝኾነ ሰነድ መልሲ ከምዘዳለወት ኣፍሊጦም።

ፍልፍል፦ ኢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.